Nehodí se? Vůbec nevadí! Zboží můžete vrátit až do 30 dní
S dárkovým poukazem nešlápnete vedle. Obdarovaný si za dárkový poukaz může vybrat cokoliv z naší nabídky.
እዚ መጽሓፍ እዚ ብቐንዱ ንኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ
ህጻናት ኤርትራ፡ ብመንገዲ ጽውጽዋያት እናዘናግዐ ኣእምሮ
ህጻናት ንምስፋሕን ናይ ምንባብ ዓቕሞም ኣብ ምድንፋዕን
ክሕግዝ ተባሂሉ ኢዩ ተዳልዩ።
ሽሕኳ ዝበዝሕ ካብ ትሕዝቶ ናይ እዞም ጽውጽዋያት
ግሪኻዊ መበቆል እንተሃለዎም፡ ብልዑል ፈጠራ ደራሲ ምስ
ያታዊ ጽውጽዋያት ኤርትራ ብምውሳብ ኤርትራዊ መንነት
ሒዞም ከምዝቐርቡ ተጌሩ ኣሎ።
ቀንዲ ብልጫ ናይ እዚ መጽሓፍ፡ እቲ ጽሑፍ ንህጻናት
ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ህጻናት ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ
ዘይኮነ፡ ወለዲ ንደቆም ባዕሎም እናኣንበቡ ከዘናግዕሉን
ክምህሩሉን ስለዝኽእሉ ኢዩ።
ሰረት ኩሉ ምዕባለ ንባብ ኢዩ። ስለዝኾነ ደቅና ናይ
ንባብ ልምዲ ንከጥርዩ፡ ክንጽዕተሎምን ባይታ ከነጣጥሓሎምን
ሓላፍነትና ኢዩ።
Ahoj! Jsem Libroamiko, tvůj knižní rádce.
Jak ti můžu pomoct?